Telegram Web
Channel name was changed to «♡✧ ርእሰ አድባራት ወገዳማት አክሱም ጽዮን ✧♡»
ገዳም ደብረ ዳሞ (ዓመታዊ በዓሉ ጥቅምቲ 14 ይውዕል)
………………………..
ኣቡነ ኣረጋዊ ካብቶም 9ተ ቅዱሳን ሓደ ኮይኑ አብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ዝርከብ እንትኸውን አብ ልዕሊ 60 ሜትሮ ንውሐት ዘለዎ እምባ ዝተመስረተ እዩ።ሓብሊ ወይም ምራን ብዝበሃል ተጠቂምካ ንከባቢ 15ሜ ንውሓት ዝኣክል መደየቢ ኮይኑ የገልግል።
ናብ ላዕሊ ምስ ወፃእኻ ፊት ንፊትካ አትረኽቦ ቤተክርስትያን ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። እዚ ቤተክርስትያን ናይ አክሱማዊት ጥበብ አተሃናንፃ ዝዓረፎን ካብ እምኒ ዝተሰርሑ ፅሩባት ዓንድታት ዘለዎ ኮይኑ አብ ናሕሲ እቲ ቤተክርስትያን ድማ ዝተፈላለዩ ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሑ ንድፍታትን ከፈፋት(ፍሬማት) አለዎ ። አተሃናንፃ እዚ ገዳም እንትትዕዘብ ስልጣነ ጥበብ ስነ ህንፃ ቀዳሞት አቦታትና አያታትናን ተድንቅ፣ ነቲ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ዕብየት ኪነ ህንፃ መሰረት ሙኳኑ ድማ ትግንዘብ።
ቀፂሉ ዘሎ ቤተክርስትያን ድማ ናይ አቡነ አረጋዊ ፃድቅ እዩ። ኣቡነ ኣረጋዊ ተሰዊሮሙሉ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ዝተሃነፀ እዩ። ካልእ እዚ ገዳም ኣብ ታሪክ ኢትዮጰያ ናይ መጀመርያ ገዳምን ትምህርቲ ፈለገ ሂወት ዝተጀመረሉ ንዕብየት ስነ ፅሑፍ ዓብይ ተራ ተፃዊተ እዩ፡፡
ኣብ ላዕሊ እቲ ገዳም ምስ ደየብካ ልዕሊ300 ፈለስትን ተምሃሮን፣ 200 መንበሪ ፈለስቲ ገዛውትን ልዕሊ 9 ጎዳጉዲ ማይን ትረክብ። ብተወሳኺ እውን ብዙሐት ንመቃብር ዘገልግሉ መልግባት አለዉ።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አመ ፲፬ ለጥቅምት አዕረፈ ቅዱስ
ሙሴ መርዓዊ።
"ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ"
ታሪኽ ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ ንብዙሓት መንእሰያት መንፈሳዊ ጠቀሜታ ዘለዎ ቅዱስ
ታሪኽ እዩ። ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ (መስፍንያኖስን አግልያስ) ካብ ዝተበሃሉ ሰብ ቃል
ኪዳን ኣብ ሮም ተወልደ። ወለዱ ፈራሕያነ እግዚአብሔር ብሩኃነ ኣእምሮ ስለ ዝነበሩ
ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዞም ብስነ ሥርዓትን ትምህርተ መጻሕፍትን ኣዕበይዎ። ዓቅመ
አዳም ምስ ኣኸለ ከም ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ብምሥጢረ ተክሊል አመርዓውዎ።
መርዓቱ ኣዝያ ጽብቅትን ምልክዕትን፡ነበረት። ኪኖ እዚ ጽባቀን መልክዕን ግን ዘይሓልፍ
ጽባቀ ሕይወት ዘልዓለማውነት ዘለዎ ሰማያዊ ነገር ብምሕሳብ፡ምድራዊ ጽባቀ ከንቱን
ሓላፍን እዩ ብምባል ብግዜ ለይቲ መሊቁ ነዳይ መሲሉ ሮሃ ናብ ትብሃል አብ ከባቢ
ሶርያ ትርከብ ቦታ ከደ። አብዚ ቦታ ከይዱ ብመንኖ፡ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ግዜ እናቀመሰ፡
ኣብ ገበላ እናደቀሰ እናለመነ ንብዙሕ ዓመታት ተቀመጠ። መዓልታዊ ይልምን ምሸት
ንነዳያን ኣካፊሉ፡ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ይሓድር ነበረ። ኣብቲ ከባቢ መንፈሳውነቱ ክፍለጥ
ምስ ጀመረ፡ካብኡ ሃዲሙ ናብ ብርሃነ ዓለም ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ በረኸት ክቅበል
እየ ብምባል ናብ ተርሴስ ከደ።
ጉዕዞ ባሕሪ ብመረከብ ክኸዱ ከለዉ ሓያል ማዕበል ተላዕሎም'ሞ ገፊዑ ናብ ሮማ
ኣእተዎም። ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ ፍቃድ እግዚአብሔር እዩ ብምባል፡ነብሱ ወጺዑ
ከይተፈልጠ አብ ገበላ ናይ ኣብኡን ኣዲኡ እናደቀሰ ን12 ዓመታት ተጋደለ።ወለዱ
ደልዮም ስለ ዝቀበጹ ንሱ እዩ ኢሎም ክግምቱ ኣይከኣሉን። ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሎ ዜና
ሕይወቱ ጽሒፉ በዚ ሎሚ ዕለት ብሰላም ዓረፈ። ካህናትን ህዝብን ተኣኪቦም ብኽብሪ
ቀበርዎ።ወለዱ ድሕሪ ዕረፍቱ መንነቱ ምስ ፈለጡ ኣዝዮም በኸዩ። ካብ ምድራዊ
ሰማያዊ ይብልጽ ብምባል ንሓድሕዶም ተጸናንዑ። ሥጋ ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ ብዙሕ
ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ።ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን
ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር።
"ምጽዋትካ ብሕቡእ ግበሮ፡ እቲ ብሕቡእ ዝርኢ
ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ፡
ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡
ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ"።
(ማቴ.፮፥፫ - 6፥3)
**************************************
- ዘአቅረብኩ ማኅሌተ አዘኪርየ አእላፈ
- እምእለ ተጸምዱከ ዘልፈ
- ለአነብብ ተወከፍ ዘንዴትየ መጽሓፈ
- እንተ ረሰይከ እግዚኦ ጸሪቀ መበለት ውኩፈ
-እምእለ ኣብኡ ብዑላን ዘተርፈ
********
- ነብያት ቅዱሳን ወሐዋርያት ሰባክያን
-ሰማዕት ወጻድቃን
-ደናግል ዓዲ ወመኖኮሳት ኄራን
- ባርኮ ባርኩ ጉባኤ ዛቲ መካን፣
- እስከ አረጋዊ ልኂቅ ወእምንኡስ ሕጻን
********
- ለዘጸሓፎ በክርታስ
-ወለዘአጽሐፎ ለዘአንበቦ ወለዘተርጎሞ በልሳን ሐዲስ፣
-ወለዘሰምዓ ቃሎ በዕዝነ መንፈስ
-በጸሎተ እሙ ማርያም ዓራቂተ ኩሉ እምባእስ
-ኅቡረ ይምኅረና ኢየሱስ ክርስቶስ
- ሰላም ለክሙ ጻድቃን ወሰማዕት
- እለ አዕረፍክሙ በዛቲ ዕለት፣
-መዋዕያነ ዓለም አንትሙ በብዙኅ ትዕግስት
-ሰዓሉ ቅድመ ፈጣሪ በኩሉ ሰዓት
-እንበለ ንስሓ ኪያነ ኢይንስአነ ሞት።
*******************
-ሰላም ለክሙ ጻድቃነ ዛቲ ዕለት ኩልክሙ
-እድ ወአንስት በበአስማቲክሙ
-ቅዱሳነ ሰማይ ወምድር ማኅበረ ስላሴ አንትሙ
-ዝክሩነ በጸሎትክሙ በእንተ ማርያም ወእሙ
-ተማህጸነ ለክርስቶስ በሥጋሁ ወደሙ።
ኤፌሶን 5፥1-20


1፤ ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ።
2፤ ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ።
3፤ ከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም።
4፤ ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም።
5፤ ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም።
6፤ ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።
7፤ እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም።
8-10፤ ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።
11፤ ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።
12፤ እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ።
13፤ ግናኸ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሃድ እዩ።
14፤ ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ ይብል።
15-16፤ እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ።
17፤ ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ።
18-19፤ ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
20፤ ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡



ካብ ሐዚ ጀሚርና ክንሳተፍ ኢና እትብሉ ኣሕዋት እስኩ ብላይክ ግለጹልና
ኤፌሶን 5፥1-20


1፤ ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ።
2፤ ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ።
3፤ ከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም።
4፤ ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም።
5፤ ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም።
6፤ ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።
7፤ እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም።
8-10፤ ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።
11፤ ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።
12፤ እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ።
13፤ ግናኸ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሃድ እዩ።
14፤ ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ ይብል።
15-16፤ እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ።
17፤ ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ።
18-19፤ ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
20፤ ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡



ካብ ሐዚ ጀሚርና ክንሳተፍ ኢና እትብሉ ኣሕዋት እስኩ ብላይክ ግለጹልና
ካብ ናይ ብጹእ አቦና ቅዱስ አትናስዮስ ህይወት ብዝተወሰነ መልክዑ!

"ብጹዕ ወቅዱስ አትናስዮስ ሊቀ ጳጳስ ዘአንጾኪያ"
ቅዱስ አትናትዮስ ታሪኹ ክንገር፡ትሕትናኡ ሓደ ብሓደ ክዝርዘር ጣዕመ ነፍስ ዓዲሉ ፡
ኣዕጽምቲ ዘጥልል፡ክርስትናዊ ሕይወት ዘጉልሕ መስተንክር ታሪኽ እዩ። አባ አትናስዮስ
ዝተወልደሉ ሀገረ ሶርያ ክኸውን ከሎ ብጹሞና ዝተመልአ ቅዱስ ኣቦ ነበረ።
አባ ኣትናትዮስ ናብ ገዳማዊ ህይወት ተኣልዩ፡ በዓቲ ፈልዩ ሰውነቱ ንእግዚአብሔር
እናግዝአ ካብ ዝነብር ነዊሕ ዓመታት ኣቅጺርሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ናይ
ሀገረ ሶርያ ዓረፈ'ሞ፡ብጹዓን ሊቃነ ጳጳሳት ንመንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ዝትክእ ባሕታዊ
ንምርካብ ናብ ገዳማት ገጾም ኣምርሑ፡ ከም ኣባ ኣትናትዮስ ዝበለ ስለ ዘይረኸቡ፡
ንቅዱስ አትናትዮስ መረጹ። ቅዱስ አትናትዮስ መጽሕፍቲ በኣገባብ ዝተመኅረ ሊቅ፡
ንመጓሰ እግዚአብሔር ዝርኅርህ ቅዱስ አቦ ምዃኑ ምስ ተረድኡ ሒዞም ንኸተማ
ወሰድዎ።
ብመሰረተ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምልዓተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘለወሉ ቅዱስ
ፓትርያርክ ስለ ዝሽየም፡ንኹሎም ብጹዓን ሊቃነ ጳጳሳት ነናብ ሃገረ ሥብከቶም
መልእክቲ ተለኣኸሎም። "ስለቅ " ናይ ዝብሃል ከባቢ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ አባ እልመፍርያን
ከይመጸ ደንጎዮም። ብጹዓን ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ብፍጹም ትዕግስቲ ን 50 መዓልታት
ተጸብዮም ክመጾም ስለ ዘይከአለ፡ ንአባ አትናትዮስ ፓትርያርክ ዘአንጾኪያ ኢሎም
ሸይሞም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ። አበ እልመርፍያን አብ መበል 51 መዓልቱ መጸ።
እንተሓተተ ድማ ደንጒኻ ንአባ አትናስዮስ ሸይሞም ነናብ ሃገረ ሥብከቶ ከይዶም
በልዎ። አባ እልመፍርያን ግን ኣነ ዘይብሉ ፓትርያርክ ክሸሙ ኣይፈቅድን፡ንቅዱስ
አትናስዮስ ፓትርያርክ ኢሉ ዝጸውዐን ዝተቀበለን ኩሉ ድማ ዝተወገዘ ይኹን ኢሉ ቃለ
ውግዘተ ኣማሕላሊፉ ናብ ሃገረ ሥብከቱ ተመልሰ። ቅዱስ አባ አትናስዮስ እዚ ምስ
ሠምዐ ኣዝዩ ሓዘነ። አባ አትናስዮስ ብሕግን ሥርዓተን ዝተመርጸ ርቱዓ ሃይማኖት
እናሃለወ እንከሎ ኣብ ዘይተደልየ ክርክር ኣትየ ህዝቢ ከይከፋፈል ብምባል፡ ምስኡ
ብርድእና ከገልግል፡ንዝተመደብ ጸዊዑ ከምዚ በሎም። ወደየ ዝብልካ ሱቅ ኢልካ
ስምዓንን ተአዘዘንን። ሓደ ዓመት ዝወስድ መገሻ ስለ ዘሎኒ፡ንዓይ ተኪእኻ ኩሉ ሥራሕ
ኣካይዶ። ህዝቢ ኣቦና ኣበይ ከይዱ ኢሎም እንተሓተቱኻ ንገዳም ከይዱ ኣሎ ከምጽእ'ዩ
በሎም ኢኻ። ኢሉ ካብ መንበሩ ወሪዱ ልብሰ ፕትርክናኡ ኣውጺኡ፡ተራ ዝረሥሐ ልብሲ
ለቢሱ ነዳይ መሲሉ ጉዕዞ ሓደ መዓልቲ ብእግሩ ተጓዒዙ አባ እልመፍርያን ኣብ ዘለውሉ
ቦታ በጽሐ።
ናብ አብ እልመፍርያን ብምኻድ ኣብ ፊቱ ሰጊዱ፡ ኦ ኣቦይ መጽግዒ ዘይብለይ ነዳይ እየ
እሞ ኣብዚ ቦታኹም ክጽጋዕ ፍቀዱለይ ኢሉ ለመኖ። አባ እልመፍርያን ድማ ምስቶም
መነኮሳት ክነብር ፍቃድ ሃቦ። አባ አትናስዮስ ፓትርያርክ እናሃለወ ትሕት ኢሉ ብዝናር
ተዓጢቁ ፡ማይ ምጉራት፡ ህብስተ ምስንካት፡ጽሬት፡እግረ መነኮሳት ምሕጻብ ረሃጹ ክሳዕ
መሬት ዝወርድ ብዘይ ዕረፍቲ ብትግሃት ኣገልገለ። እቶም መነኮሳት ትግሃቱን ንጥፈታቱን
ምስ ረኣዩ ንሥሜተ ዲቁና ሓጸይዎ። አባ እልመፍርያን ጸዊዑ ዱቅና ክሸመካ ምስ በሎ
አባ አትናስዮስ ኣምሪሩ በኸየ። እንታይ የብክየካ ኣሎ ኢሉ ሓተቶ፡አባ አትናስዮስ ድማ ኦ
ኣቦይ ሓጢአተይ በዚሑ እምበር ዲቁና ድኣ ኣሎኒ ኢሉ መለሰሉ። ኪድ በል ብዲቁና
ኣገልግል ኢሉ ኣፋነዎ። ድሕሪ 7ወርሒ ናይ ዲቁና ኣገልጉሎት ንመዓርገ ክህነት
ሓጸይዎ። ክህነት ክሸመካ ምስ በልዎ ከም ቀደሙ እናበኸየ ክህነት ከም ዘለዎ ነገሮ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብዕለተ ሰንበት ናይ ሓደ ሃገረ ሥብከት ሊቀ ጳጳስ ክሸምዎ ተአከቡ።
ካብዚ ንድሓር አባ ኣትናትዮስ ምሥጢሩ ከምዚ ክብል ነገሮም። አባ አትናስዮስ
ፓትርያርክ ኣነ እየ በሎም።አባ እልመፍርያን ብትሕትናኡን ብዝኾነ ኩሉ ሰንቢዱ
ብግንባሩ ናብ መሬት ተደፊኡ እናበኸየ፡ኦ አትናስዮስ ይቅረ በለለይ፡ ብምባል ኣምሪሩ
በኸየ። ብምግባረ ትሕትና አባ አትናስዮስ ኩሎም ሊቃነ ጳጳሳትን ምእመናንን ተደነቁ።
ብድሕርዚ ብፍቅሪ ተላዒሎም አባ አትናስዮስ አብ ፈረስ ኣወጢሖም፡ አባ እልፈርምያን
ብፍቃዱ ብእግሩ እናተጓዓዘ ከተማ ኣንጾኪያ ኣተው። ሥርዓተ ቅዳሴ ተሠሪዑ ቅዱስ
ሥጋኡን ክቡር ደሙን ተቀቢሎም ብኽብሪ እናዝመሩ ንአባ አትናስዮስ ኣብ ናይ ክብሪ
መንበሩ አንበርዎ። ከም ዓቢይ ናይ ሓጎስ በዓል ተቆጽረ። ቅዱስ አትናስዮስ ብዝግበሮ
ትሕትና ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ምክፍፋል ኣድሒኑ፡ ብትግሃት ህዝቡ እናጋሰየ
ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጥቅምቲ ዕለት 12 ብሰላም ዓረፈ። ከም በዓል ቅዱስ አትናስዮስ ንሓድነት
ምእመናን ክብሉ ነብሶም ዝውፍዩ አበው አይውሕደልና።በረኸትን ረዲኤትን ናይ አባ
አትናስዮስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር አሜን።
# መቃብር ላዕላዩ ጹቡቅ እዩ። ናይ ላዕሊ ጽባቀ ግን መሸፈኒ ናይ ውሽጢ እምበር መግለጺ ናይ ውሽጢ ኣይኮነን። ናትካ ጽባቀ ድማ ካብ ጽባቀ መቃብር ዝበለጸ ክከውን ኣለዎ። ነቲ ሓቀኛ ዝኮነ ክርስቶስ እንተ ዘይረኺብካዮ መቸም ሓቀኛ ዝኮነ ናብራ ክትነብር ከም ዘይትኽል ተረዳእ።

# ኣምባሳደር ካብ ሃገሩ ርሒቁ ድኣ እምበር ኣብ ሃገሩ ኣምባሳደር ከም ዘይከውን ንስኻውን ኣምባሳደር ተባሂልካ ኢኻ እሞ ካብ ሃገርካ ርሒቅካ እትነብር ኢኻ።  ሽምካ ክርስትያን፡ ሃገርካ ኣብ ሰማይ፡ ዘርእኻ ክርስትና፡ ንጉስካ ድማ ክርስቶስ እዩ።

ካብ ምክሪ ንፈታዊ ዝብል መጽሓፍ ዝተወስደ


“የቃልህ ፍቺ ያበራል፥ ሕፃናትንም አስተዋዮች ያደርጋል።”
— መዝሙር 118(119)፥130
🕎ስለ መጽሐፍ ቅዱስ ምንነት እንዲሁም በመጽሐፍ ቅዱስ ላሉት ምንባባት አንድምታቸው ትንታኔና ማብራርያ የሚያገኙበት ቻናል ይቀላቀሉ

👉“መጽሐፍ” ለሚለው ምንጭ በግሪክ ቋንቋ ቢብሎስ (byblos) ከደንገል በተሠራ ወረቀት ወይም በብራና ከተጻፈ በኋላ በሁለት በትሮች...read more

👉መጽሐፍ ቅዱስ መቼ በአንድ ጥራዝ ተጠቀለለ? ከክ.ል.በ ይሁን በኋላ የተጻፉት ሁሉንም መጻሕፍቶች ለየብቻቸው ነበሩ፡፡ከ500ዎቹ ዓ.ዓ....read more

👉ኦሪት "ኦራይታ" ከሚል የሶርያ(አራማይክ) ቃል የተገኘ ሲሆን ትርጓሜውም "ሕግ" ወይም "ትምህርት" ማለት ነው።የመጠሪያ ምንጩም....read more



(መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 65)
----------
11፤ በቸርነትህ ዓመትን ታቀዳጃለህ፥ ምድረ በዳውም ስብን ይጠግባል።

12፤ የምድረ በዳ ተራሮች ይረካሉ፥ ኮረብቶችም በደስታ ይታጠቃሉ።

13፤ ማሰማርያዎች መንጎችን ለበሱ፥ ሸለቆችም በእህል ተሸፈኑ፤ በደስታ ይጮኻሉ ይዘምራሉም። "
🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
ለሁላችሁም የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምእመናን ወምእመናት እንኳን ከዘመነ ዮሐንስ ወደ ዘመነ ማቴዎስ በሰላም አደረሰን አደረሳችሁ።መጪውን ዘመን የሰላም የፍቅር የንስሐ ዘመን እንዲያደርግልን ቅዱስ ፈቃዱ ይሁን።


ወቅታዊ የቤተ ክርስቲያናችንን ጉዳይ እና መንፈሳዊ ጥንካሬያችንን እንድናበረታ የሚያግዙን መንፈሳዊ ቻናሎችን ይዘን ቀርበናል።እርስዎም ከእነዚህ መንፈሳዊ ቻናሎች የነፍስ ምግብ የሆነውን የእግዚአብሔርን ቃል እየተመገቡ መንፈሳዊ ሕይወትዎትን እንዲያጠናክሩ በእግዚአብሔር ስም ጥሪያችንን እናቀርባለን🙏
🙏ፈጣሪ ይባርከን🙏

ከነዚህ መፀሀፍት የተወጣጡበት
ትምህርትን መማር ይፈልጋሉ
እነሆ ብለናል :-
📚የባሕታውያን አባቶች ሕይወትና የመዝሙራት ተመስጦ
📖▓⇨ትምህርት በአባ ሺኖዳ ⇨ክፈት
📚የድያቢሎስ ውግያዎች
📖▓⇨ትምህርት ⇨ክፈት
📚አምደ ሀይማኖት
📖▓⇨በአባታችን ቅዱስ ሺኖዳ ⇨ክፈት
📚መንፈሳዊ ሕይወት
📖▓⇨በአቡነ ሺኖዳ ⇨ክፈት
📚መንፈሳዊ ሰው
📖▓⇨በአቡነ ሺኖዳ ⇨ክፈት
📚የአባቶች ሕይወት ንሮ እና ተመስጦ
📖▓⇨በአቡነ ሺኖዳ ⇨ክፈት
የመኖኮሳት ታሪክ እና ተመስጦ በብጽእ አቡነ ሺኖዳ ሳልሳዊ ይቀርብበታል።
The account of the user that owns this channel has been inactive for the last 11 months. If it remains inactive in the next 9 days, that account will self-destruct and this channel may no longer have an owner.
2024/11/20 00:20:40
Back to Top
HTML Embed Code: