tgoop.com/DWINTERNATIONAL/22
Last Update:
ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ መቐለ!
እቲ ኣብ ከባቢ ዓዲ ሓቂ ዝተገበረ ደብዳብ ንኽልተ ቦታ ዒላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ።
ከም ዝፍለጥ ሎሚ ዕለቱ ሶኒ እዩ ፣ከተማ መቐለ ዕዳግኣ ሶኒ እዩ። ናብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ፣ ዕዳጋ ሶኒ ዝመፁ ንፁሃት ብምጭፍጫፍን ታሪኽ ሓውዜንን ቶጎጋን ንምድጋም ዝሃቀነ ፍሹል ደብዳበ እዩ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሆቴል ፕላኔት ዓበይቲ ኣመራርሓ ይርከቡሉ እዮም ተባሂሉ ፣ ብባንዳታት ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝተውሃበ ፍሹል ሓበሬታ ዝተገበረ ደብዳብ እዩ ነይሩ።
ከምኡ እውን እቲ ረፋድ ኣብ ከባቢ መሰቦ ሓረና ዝተገበረ ደብዳብ፣ ኣብቲ ከባቢ ዴፖ ኣሎ ዝብል ዝንቡዕ ዝተጋገየ ሓበሬታ ብምሓዝ ዝተገበረ እዩ ነይሩ።
ክሳብ ሐዚ ህይወት ሰለስተ ንፁሃት ዜጋታት ጠፊኡ ኣሎ፣ ጉደኣት ዝበፅሖም እውን ኣለው።
ጉጅለ ፀረ ነፍርቲ ሰራዊት ትግራይ ነተን ክድብድባ ዝመፃ ነፈርቲ ፈተነታት እናገበረለን እዩ። ሐዚ እውን ኣብ ተዳሎ እዩ ዝርከብ። ምምሕዳር ከተማ መቐለ ድማ ህዝቢ ብሓደ ከይእከብ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ሐዚ ኹለና ተጋሩ እዚ ደብዳበ
ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዝተገበረ ምዃኑ ነቃልዕ ፣
ዝተረኸቡ ስእልታት ኩሎም ንጠቐመሎም ፣ ህዝቢ ምጥማዩ ከይኣኽሎ ደብዳብ ምውሳኹ ምልክት ፋሽስትነት ምዃኑ ነረድእ፣ኣብ እንገብሮም ጎስጓሳት #MekelleUnderAttack ዝብል ሃሽታግ ብምጥቃም ብዙሕ ሰብ ክፈልጦ ንንግበር።እዚ ሓበሬታ ናብ ኩሉ ነባፅሕ። ኣጆና ፣ ንፅናዕ፣ንሓርን፣ኣይንደናገፅ።
NB
እዚ ኩነታት ተጠቒሞም ከፈናግፁናን ስነ ልቦናና ከዳኽሙን ሎሚ ዘይተፈፀመን
ናይ ቅድሚ ሐዚ ደብዳባት ብምምፃእ ስእልታት ዝጥቅዑ ኣካላት ስለ ዘለው
እውን ፣ ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ሓበሬታታት ንተዓቀብ። ካብ እሙናት ምንጭታትን
ሚድያታትናን ጥራይ ሓበሬታ ንውሰድ።
@DWINTERNATIONAL
@DW_INTERNATIONAL
BY DW INTERNATIONAL
Share with your friend now:
tgoop.com/DWINTERNATIONAL/22