AXUM_TSYON_EMNE Telegram 321
ካብ ናይ ብጹእ አቦና ቅዱስ አትናስዮስ ህይወት ብዝተወሰነ መልክዑ!

"ብጹዕ ወቅዱስ አትናስዮስ ሊቀ ጳጳስ ዘአንጾኪያ"
ቅዱስ አትናትዮስ ታሪኹ ክንገር፡ትሕትናኡ ሓደ ብሓደ ክዝርዘር ጣዕመ ነፍስ ዓዲሉ ፡
ኣዕጽምቲ ዘጥልል፡ክርስትናዊ ሕይወት ዘጉልሕ መስተንክር ታሪኽ እዩ። አባ አትናስዮስ
ዝተወልደሉ ሀገረ ሶርያ ክኸውን ከሎ ብጹሞና ዝተመልአ ቅዱስ ኣቦ ነበረ።
አባ ኣትናትዮስ ናብ ገዳማዊ ህይወት ተኣልዩ፡ በዓቲ ፈልዩ ሰውነቱ ንእግዚአብሔር
እናግዝአ ካብ ዝነብር ነዊሕ ዓመታት ኣቅጺርሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ናይ
ሀገረ ሶርያ ዓረፈ'ሞ፡ብጹዓን ሊቃነ ጳጳሳት ንመንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ዝትክእ ባሕታዊ
ንምርካብ ናብ ገዳማት ገጾም ኣምርሑ፡ ከም ኣባ ኣትናትዮስ ዝበለ ስለ ዘይረኸቡ፡
ንቅዱስ አትናትዮስ መረጹ። ቅዱስ አትናትዮስ መጽሕፍቲ በኣገባብ ዝተመኅረ ሊቅ፡
ንመጓሰ እግዚአብሔር ዝርኅርህ ቅዱስ አቦ ምዃኑ ምስ ተረድኡ ሒዞም ንኸተማ
ወሰድዎ።
ብመሰረተ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምልዓተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘለወሉ ቅዱስ
ፓትርያርክ ስለ ዝሽየም፡ንኹሎም ብጹዓን ሊቃነ ጳጳሳት ነናብ ሃገረ ሥብከቶም
መልእክቲ ተለኣኸሎም። "ስለቅ " ናይ ዝብሃል ከባቢ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ አባ እልመፍርያን
ከይመጸ ደንጎዮም። ብጹዓን ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ብፍጹም ትዕግስቲ ን 50 መዓልታት
ተጸብዮም ክመጾም ስለ ዘይከአለ፡ ንአባ አትናትዮስ ፓትርያርክ ዘአንጾኪያ ኢሎም
ሸይሞም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ። አበ እልመርፍያን አብ መበል 51 መዓልቱ መጸ።
እንተሓተተ ድማ ደንጒኻ ንአባ አትናስዮስ ሸይሞም ነናብ ሃገረ ሥብከቶ ከይዶም
በልዎ። አባ እልመፍርያን ግን ኣነ ዘይብሉ ፓትርያርክ ክሸሙ ኣይፈቅድን፡ንቅዱስ
አትናስዮስ ፓትርያርክ ኢሉ ዝጸውዐን ዝተቀበለን ኩሉ ድማ ዝተወገዘ ይኹን ኢሉ ቃለ
ውግዘተ ኣማሕላሊፉ ናብ ሃገረ ሥብከቱ ተመልሰ። ቅዱስ አባ አትናስዮስ እዚ ምስ
ሠምዐ ኣዝዩ ሓዘነ። አባ አትናስዮስ ብሕግን ሥርዓተን ዝተመርጸ ርቱዓ ሃይማኖት
እናሃለወ እንከሎ ኣብ ዘይተደልየ ክርክር ኣትየ ህዝቢ ከይከፋፈል ብምባል፡ ምስኡ
ብርድእና ከገልግል፡ንዝተመደብ ጸዊዑ ከምዚ በሎም። ወደየ ዝብልካ ሱቅ ኢልካ
ስምዓንን ተአዘዘንን። ሓደ ዓመት ዝወስድ መገሻ ስለ ዘሎኒ፡ንዓይ ተኪእኻ ኩሉ ሥራሕ
ኣካይዶ። ህዝቢ ኣቦና ኣበይ ከይዱ ኢሎም እንተሓተቱኻ ንገዳም ከይዱ ኣሎ ከምጽእ'ዩ
በሎም ኢኻ። ኢሉ ካብ መንበሩ ወሪዱ ልብሰ ፕትርክናኡ ኣውጺኡ፡ተራ ዝረሥሐ ልብሲ
ለቢሱ ነዳይ መሲሉ ጉዕዞ ሓደ መዓልቲ ብእግሩ ተጓዒዙ አባ እልመፍርያን ኣብ ዘለውሉ
ቦታ በጽሐ።
ናብ አብ እልመፍርያን ብምኻድ ኣብ ፊቱ ሰጊዱ፡ ኦ ኣቦይ መጽግዒ ዘይብለይ ነዳይ እየ
እሞ ኣብዚ ቦታኹም ክጽጋዕ ፍቀዱለይ ኢሉ ለመኖ። አባ እልመፍርያን ድማ ምስቶም
መነኮሳት ክነብር ፍቃድ ሃቦ። አባ አትናስዮስ ፓትርያርክ እናሃለወ ትሕት ኢሉ ብዝናር
ተዓጢቁ ፡ማይ ምጉራት፡ ህብስተ ምስንካት፡ጽሬት፡እግረ መነኮሳት ምሕጻብ ረሃጹ ክሳዕ
መሬት ዝወርድ ብዘይ ዕረፍቲ ብትግሃት ኣገልገለ። እቶም መነኮሳት ትግሃቱን ንጥፈታቱን
ምስ ረኣዩ ንሥሜተ ዲቁና ሓጸይዎ። አባ እልመፍርያን ጸዊዑ ዱቅና ክሸመካ ምስ በሎ
አባ አትናስዮስ ኣምሪሩ በኸየ። እንታይ የብክየካ ኣሎ ኢሉ ሓተቶ፡አባ አትናስዮስ ድማ ኦ
ኣቦይ ሓጢአተይ በዚሑ እምበር ዲቁና ድኣ ኣሎኒ ኢሉ መለሰሉ። ኪድ በል ብዲቁና
ኣገልግል ኢሉ ኣፋነዎ። ድሕሪ 7ወርሒ ናይ ዲቁና ኣገልጉሎት ንመዓርገ ክህነት
ሓጸይዎ። ክህነት ክሸመካ ምስ በልዎ ከም ቀደሙ እናበኸየ ክህነት ከም ዘለዎ ነገሮ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብዕለተ ሰንበት ናይ ሓደ ሃገረ ሥብከት ሊቀ ጳጳስ ክሸምዎ ተአከቡ።
ካብዚ ንድሓር አባ ኣትናትዮስ ምሥጢሩ ከምዚ ክብል ነገሮም። አባ አትናስዮስ
ፓትርያርክ ኣነ እየ በሎም።አባ እልመፍርያን ብትሕትናኡን ብዝኾነ ኩሉ ሰንቢዱ
ብግንባሩ ናብ መሬት ተደፊኡ እናበኸየ፡ኦ አትናስዮስ ይቅረ በለለይ፡ ብምባል ኣምሪሩ
በኸየ። ብምግባረ ትሕትና አባ አትናስዮስ ኩሎም ሊቃነ ጳጳሳትን ምእመናንን ተደነቁ።
ብድሕርዚ ብፍቅሪ ተላዒሎም አባ አትናስዮስ አብ ፈረስ ኣወጢሖም፡ አባ እልፈርምያን
ብፍቃዱ ብእግሩ እናተጓዓዘ ከተማ ኣንጾኪያ ኣተው። ሥርዓተ ቅዳሴ ተሠሪዑ ቅዱስ
ሥጋኡን ክቡር ደሙን ተቀቢሎም ብኽብሪ እናዝመሩ ንአባ አትናስዮስ ኣብ ናይ ክብሪ
መንበሩ አንበርዎ። ከም ዓቢይ ናይ ሓጎስ በዓል ተቆጽረ። ቅዱስ አትናስዮስ ብዝግበሮ
ትሕትና ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ምክፍፋል ኣድሒኑ፡ ብትግሃት ህዝቡ እናጋሰየ
ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጥቅምቲ ዕለት 12 ብሰላም ዓረፈ። ከም በዓል ቅዱስ አትናስዮስ ንሓድነት
ምእመናን ክብሉ ነብሶም ዝውፍዩ አበው አይውሕደልና።በረኸትን ረዲኤትን ናይ አባ
አትናስዮስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር አሜን።

tgoop.com/Axum_Tsyon_Emne/321
Create:
Last Update:

BY ♡✧ ርእሰ አድባራት ወገዳማት አክሱም ጽዮን ✧♡

Share with your friend now:
tgoop.com/Axum_Tsyon_Emne/321

View MORE
Open in Telegram

Telegram News

Date: |

How to Create a Private or Public Channel on Telegram? There have been several contributions to the group with members posting voice notes of screaming, yelling, groaning, and wailing in different rhythms and pitches. Calling out the “degenerate” community or the crypto obsessives that engage in high-risk trading, Co-founder of NFT renting protocol Rentable World emiliano.eth shared this group on his Twitter. He wrote: “hey degen, are you stressed? Just let it out all out. Voice only tg channel for screaming”. Earlier, crypto enthusiasts had created a self-described “meme app” dubbed “gm” app wherein users would greet each other with “gm” or “good morning” messages. However, in September 2021, the gm app was down after a hacker reportedly gained access to the user data. Step-by-step tutorial on desktop: Over 33,000 people sent out over 1,000 doxxing messages in the group. Although the administrators tried to delete all of the messages, the posting speed was far too much for them to keep up.
from us

Telegram ♡✧ ርእሰ አድባራት ወገዳማት አክሱም ጽዮን ✧♡
FROM American