tgoop.com/Dweyane1967/2340
Last Update:
ሓድሽ ላዕለዋይ ሓላፊ ዉድብ ብልፅግና ካብ መኪንኦም ክልተ ሚልዮን ብር ከም ዝተሰረቐ ቢቢሲ ኣቃሊዑ፡፡
ሓድሽ ላዕለዋይ ሓላፊ ዉድብ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ (ብልፅግና) ኣይተ ታየ ደንደኣ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ክልተ ሚልዮን ቅርሺ ብጥርኡ ፣ ላፕቶፕ ኮምፒዩተርን ንስራሕን ንውልቀን ዝጥቀመሎም ክልተ መፅሓፊ ደፍተርን ከም ዝተሰረቑ ንቢቢሲ ቃሎም ሂቦም። ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ 'ሆቴል ቢን ኢንተርናሽናል' መኪንኦም ደው ኣቢሎም ንምሳሕ ከምዝኣተዉን ማዕፆ መኪነኦም ብ 'ማስተር' መፍትሕ ተኸፊቱ እቲ ስርቂ ከምዝተፈፀመን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም። እቲ ክልተ ሚልዮን ጥረ ገንዘብ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ስልጠና ይወሃቦም ንዝነበሩ ዝኽፈል ኣበል ከምዝነበረን ዝሓበሩ ኣይተ ዳንደኣ ድሕሪ'ቲ ስርቂ "ደፍተር ኣይተ ታየ ኣብ ኢደይ ኣትዩ'ሎ ኢሉ" ኣብ ፌስቡክ ዝፀሓፈ ሰብ ከምዝነበረን ነዚ ጉዳይ ድማ ናብ ሕጊ ከምዝወሰድዎን ተዛሪቦም።
እቲ "ናይ ታየ ጥራዝ ኣብ ኢደይ ኣትዩ'ሎ" ኢሉ ፅሒፉ እዩ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፖለቲካዊ ርእይቶ ብምሃብ ዝፍለጥ ደረጀ ቤጊ ዝበሃል ምዃኑ ቢቢሲ ንቃል ኣይተ ዳንደ ብምጥቃስ ድሕሪ ምግላፅ ብዛዕባ'ዚ ንኣይተ ደረጀ ረኺቡ ከምዘዛረቦን "ትሕዝቶ ኣፍቲ ጥራዝ ዝሰፈረ ብዉሽጣዊ መስመር ሳንዱቕ (INBOX) ከምዝተላእኸለይ ብምግላፅ እየ እቲ ጥራዝ ከምዝተሰረቐ ገሊፀ ምባሎም ፀብፂቡ።
[BBC]
@dimtsiweyane1967
@Dweyane1967bot
BY ኣልፋ ጥዕና
Share with your friend now:
tgoop.com/Dweyane1967/2340