tgoop.com/Dweyane1967/2342
Last Update:
"ዕላማታት 11 ለካቲት ብሓዱሽ ወለዶታት ዝያዳ እናተኾልዑ ኽቕፅሉ'ዮም"
ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
ኣቦ ወንበር ህወሓትን ም/ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንዚ ረዚን መልእኽቲ ዘመሓለለፉ ትማሊ ምሸት ብመንገዲ መፅሕፈ ዉልቆም (facebook) ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ እዩ፡፡ ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽቶም ከምዘለዎ ንዚ ይመስል፡፡
"ሰላም መናእሰይ፣ ከመይ ኣለኹም!
ከምዝፍለጥ ታሪኽ ወያነ ትግራይ ታሪኽ 'ቲ ትእምርተ ፅንዓት ዝኾነ ጅግና ህዝቢ ትግራይ እዩ። ብቐንዱ ድማ ከይዲን ውፅኢትን መዘና ዘይርከቦ ህዝባውነት፣ ክምህ ዘይብል ፅንዓትን ተቓላሳይነትን መንእሰይ ትግራይ ምዃኑ እውን ይፍለጥ። ከምኡ ሰለዝኾነ እዩ ድማ ኩሉ ግዜ ነባሪ ታሪኽን ቅያን ዝፍፅም ህዝቢ እዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ዘለና። ስለዚ ትማሊ ይኹን ሎሚ ሰራሒ ታሪኽ ህዝቢ'ዩ።ብምዃኑ እቲ ዝሓለፈ ወለዶ ኣብታ ግዝኡ ዘይሃስስ ድሙቕ ገድሊ ፈፂሙ፣ ክብሪ ህዝቡን ዓዱን እውን ብመሪር ተጋድልኡ ኣረጋጊፁ'ዩ።
እዚ ናይዚ መዋእል መንእሰይ ትግራይ እውን በተመሳሳሊ ኽብርታት ኣያታቱን ኣዴታቱን ኣፅኒዑ ብምሓዝ፣ ኣብዚ ምዕራፍ'ዚ ንዘጋጠሙና ዘለው ኩሉ ዓይነት ተፃበኦታት ብኣዝዩ ዝገርም ምስትውዓልን ጥበብን እናሰገረ፣ ንዋታውን መንፈሳውን ባህግታቱ ድሕሪ ህላወን ድሕንነትን ህዝቡን ዓዱን ብምስራዕ ውሕሉል ቃልሲ ከካይድ ፀንሑ እዩ። ሕዚ እውን የካይድ ኣሎ።
መንእሰያትና እቲ ኩነታት ምስተፈጠረ ሓደራ ሰማእታት ትግራይን ህዝብኹምን ከምዘይተዕብሩ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ንስኻትኩም እውን ኣብ ግዜኹም ካብቲ ዝሓለፈ ወለዶ ዝበለፀን ዘይሃስስ ድሙቕ ቅያ ከምእትፍፅሙን እናፈፀምኩም ምዃንኩምን ብግብሪ ክንዕዘብ ክኢልና ኣለና።
ስለዚ ሕዚ’ውን እዚ መድረኽ ምስትውዓልን ንቕሓትን ዝሓትት ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ሕድሕድ ምንቅስቃስኩም ዝህልዎ ፅልዋ ብምምዛን ተለዋዋጥን ዘየቋርፅን እከይ ውጥናት ተፃባእትና ብቐፃሊ ብምክትታልን ብምቅላዕን፣ ናይ ሎምን ናይ ትማልን ውዙፍ ጠለባት ህዝብና ጋህዲ ንምግባር ብሓያል ዝተወደበ ኣገባብ ክንሽቅልን ዝጭበጥ ለውጢ ክነረጋግፅን ይግባእ። ህላወን ድሕንነትን ህዝብናን ዓድናን ብዘላቕነት ምርግጋፅ እንኽእል እውን መደባትና ብኣድማዕነት ምፍፃም ምስእንኽል ምዃኑ ፍሊጥና ንዝበለፀ ቃልሲን ዓወትን ቅሩባት ክትኮኑ ይግባእ።
ዕላማታት 11 ለካቲት ብሓዱሽ ወለዶታት ዝያዳ እናተኾልዑ ክቕፅሉ'ዮም።
ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ!"
@dimtsiweyane1967
@Dweyane1967bot
BY ኣልፋ ጥዕና
Share with your friend now:
tgoop.com/Dweyane1967/2342