Warning: mkdir(): No space left on device in /var/www/tgoop/post.php on line 37

Warning: file_put_contents(aCache/aDaily/post/Dweyane1967/--): Failed to open stream: No such file or directory in /var/www/tgoop/post.php on line 50
ኣልፋ ጥዕና@Dweyane1967 P.2342
DWEYANE1967 Telegram 2342
"ዕላማታት 11 ለካቲት ብሓዱሽ ወለዶታት ዝያዳ እናተኾልዑ ኽቕፅሉ'ዮም"
ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
ኣቦ ወንበር ህወሓትን ም/ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንዚ ረዚን መልእኽቲ ዘመሓለለፉ ትማሊ ምሸት ብመንገዲ መፅሕፈ ዉልቆም (facebook) ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ እዩ፡፡ ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽቶም ከምዘለዎ ንዚ ይመስል፡፡
"ሰላም መናእሰይ፣ ከመይ ኣለኹም!
ከምዝፍለጥ ታሪኽ ወያነ ትግራይ ታሪኽ 'ቲ ትእምርተ ፅንዓት ዝኾነ ጅግና ህዝቢ ትግራይ እዩ። ብቐንዱ ድማ ከይዲን ውፅኢትን መዘና ዘይርከቦ ህዝባውነት፣ ክምህ ዘይብል ፅንዓትን ተቓላሳይነትን መንእሰይ ትግራይ ምዃኑ እውን ይፍለጥ። ከምኡ ሰለዝኾነ እዩ ድማ ኩሉ ግዜ ነባሪ ታሪኽን ቅያን ዝፍፅም ህዝቢ እዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ዘለና። ስለዚ ትማሊ ይኹን ሎሚ ሰራሒ ታሪኽ ህዝቢ'ዩ።ብምዃኑ እቲ ዝሓለፈ ወለዶ ኣብታ ግዝኡ ዘይሃስስ ድሙቕ ገድሊ ፈፂሙ፣ ክብሪ ህዝቡን ዓዱን እውን ብመሪር ተጋድልኡ ኣረጋጊፁ'ዩ።
እዚ ናይዚ መዋእል መንእሰይ ትግራይ እውን በተመሳሳሊ ኽብርታት ኣያታቱን ኣዴታቱን ኣፅኒዑ ብምሓዝ፣ ኣብዚ ምዕራፍ'ዚ ንዘጋጠሙና ዘለው ኩሉ ዓይነት ተፃበኦታት ብኣዝዩ ዝገርም ምስትውዓልን ጥበብን እናሰገረ፣ ንዋታውን መንፈሳውን ባህግታቱ ድሕሪ ህላወን ድሕንነትን ህዝቡን ዓዱን ብምስራዕ ውሕሉል ቃልሲ ከካይድ ፀንሑ እዩ። ሕዚ እውን የካይድ ኣሎ።
መንእሰያትና እቲ ኩነታት ምስተፈጠረ ሓደራ ሰማእታት ትግራይን ህዝብኹምን ከምዘይተዕብሩ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ንስኻትኩም እውን ኣብ ግዜኹም ካብቲ ዝሓለፈ ወለዶ ዝበለፀን ዘይሃስስ ድሙቕ ቅያ ከምእትፍፅሙን እናፈፀምኩም ምዃንኩምን ብግብሪ ክንዕዘብ ክኢልና ኣለና።
ስለዚ ሕዚ’ውን እዚ መድረኽ ምስትውዓልን ንቕሓትን ዝሓትት ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ሕድሕድ ምንቅስቃስኩም ዝህልዎ ፅልዋ ብምምዛን ተለዋዋጥን ዘየቋርፅን እከይ ውጥናት ተፃባእትና ብቐፃሊ ብምክትታልን ብምቅላዕን፣ ናይ ሎምን ናይ ትማልን ውዙፍ ጠለባት ህዝብና ጋህዲ ንምግባር ብሓያል ዝተወደበ ኣገባብ ክንሽቅልን ዝጭበጥ ለውጢ ክነረጋግፅን ይግባእ። ህላወን ድሕንነትን ህዝብናን ዓድናን ብዘላቕነት ምርግጋፅ እንኽእል እውን መደባትና ብኣድማዕነት ምፍፃም ምስእንኽል ምዃኑ ፍሊጥና ንዝበለፀ ቃልሲን ዓወትን ቅሩባት ክትኮኑ ይግባእ።
ዕላማታት 11 ለካቲት ብሓዱሽ ወለዶታት ዝያዳ እናተኾልዑ ክቕፅሉ'ዮም።
ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ!"

@dimtsiweyane1967
@Dweyane1967bot

tgoop.com/Dweyane1967/2342
Create:
Last Update:

BY ኣልፋ ጥዕና

Share with your friend now:
tgoop.com/Dweyane1967/2342

View MORE
Open in Telegram

Telegram News

Date: |

Add the logo from your device. Adjust the visible area of your image. Congratulations! Now your Telegram channel has a face Click “Save”.! During the meeting with TSE Minister Edson Fachin, Perekopsky also mentioned the TSE channel on the platform as one of the firm's key success stories. Launched as part of the company's commitments to tackle the spread of fake news in Brazil, the verified channel has attracted more than 184,000 members in less than a month. With the administration mulling over limiting access to doxxing groups, a prominent Telegram doxxing group apparently went on a "revenge spree." Telegram Android app: Open the chats list, click the menu icon and select “New Channel.” When choosing the right name for your Telegram channel, use the language of your target audience. The name must sum up the essence of your channel in 1-3 words. If you’re planning to expand your Telegram audience, it makes sense to incorporate keywords into your name.
from us

Telegram ኣልፋ ጥዕና
FROM American