tgoop.com/Dweyane1967/2356
Create:
Last Update:
Last Update:
ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ 3,069 ኪሎ ሜትሮ መንገዲ ከምዝሰርሐ ኣፍሊጡ
መቐለ፣ 04 ለካቲት 2012 (ጋዜጣ ወይን) - ኣብ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ 28 ዓመታት ካብ ዝተሰርሑ 6,303 ኪሎ ሜትሮ መንገዲ እቶም 3,069 ኪሎ ሜትሮ ብኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ከምዝተሰርሑ እቲ ኢንተርፕራይዝ ኣፍሊጡ፡፡
ብተወሳኺ 19,021 ኪሎ ሜትሮ መንገዲ ተደጋጊሞም ምፅጋኖምን ሕዚ ድማ 830 ኪሎ ሜትሮ ፕሮጀክትታት መንገዲ ኣብ ከይዲ ህንፀት ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ቕድሚ ውድቐት ስርዓት ደርጊ ካብ ደቡብ ትግራይ ናብ ሰሜን ከምኡ እውን ናብ ምዕራብ ገፅ ዝኸይድ መንገዲ ከባቢ 906 ኪሎ ሜትሮ መንገዲ ጥራሕ ምንባሩ እቲ ኢንተርፕራይዝ የዘኻኽር።
ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ግና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንህንፀት መንገዲ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ነዚ ዝሰርሑ መሓውራት ብምጥያሽን ዝለዓለ በጀት ብምምዳብን ናብ ስራሕ ምእታዉ ድማ ሓቢሩ።
ፍልፍል ፡- ብሮሸር ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ
@dimtsiweyane1967
@Dweyane1967bot
BY ኣልፋ ጥዕና
Share with your friend now:
tgoop.com/Dweyane1967/2356